ምሥጢረ ሥላሴ፡ ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓደ እንከሎ ከሎ፡ ሠለስተ’ዩ፣ ሠለስተ እንከሎ ድማ ሓደ’ዩ።
እዚ ማለት ድማ ሠለስትነቱ ብስም፣ ብኣካል ብግብሪ ክኸውን ከሎ፡ ሓድነቱ ኸኣ ብባህርይ፣ ብህልውና፣ ብፍቓድ፣ ብሥልጣን፣ ብመለኮት፣ ብምፍጣር እዩ። “እንዘ አሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት/ ሓደ እንከለዉ ሠለስተ፡ ሠለስተ ከለዉ ሓደ ዝኾኑ፣ በኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ድማ ሓደ እዮም።” ከምዝበሉ ሠለስቱ ምእት።
- ዘፍ. ፩፥፳፯/1:27 “ኣምላኽ ድማ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንግበር በለ” ይብል። ኣብዚ ጥቅሲ እዚ “በለ” ምባሉ ናይ እግዚአብሔር ሓድነት ክገልጽ ከሎ፡ “ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር” ብምባል ድማ ሠለስትነቱ የረድኣና። ምኽንያቱ ብመልክዐይ ብምስለይ እንተ ዝብል ነይሩ ሓደ ኣካል ጥራይ’ዩ ምበልና። ገለ ገለ ተፃረርቲ ሥላሴ ነዚ ኣባሃህላ’ዚ ብጌጋ ብምትርጓም እዚ ቃል’ዚ ኣባሃህላኡ ብዝኂ ዘመልክት ዘይኮነስ እግዚአብሔር ከም ልምዲ ነገሥታት ንባዕሉ ከኽብር ኢሉ ብብዝኂ አንቀጽ ገሊጽዎ እምበር ሠለስትነት ኣየመልክትን እዩ ይብሉ።እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣበሃህላ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። ከመይሲ! ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሱ ነገሥታት ንርእሶም ‘ንሕና’ እናበሉ ወይ ከኣ ብብዝኂ አንቀጽ ሰይሞም ኣይዛረቡን። ንምሳሌ፦ ፈርዖን ንዮሴፍ “ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ሸይመካ ኣሎኹ” በሎ እምበር “ሸይምናካ” ኣይበሎን። (ዘፍ. ፵፩፥፵፩/41፡41) ናቡከደነፆር “ስለዚ ንዅላቶም ጠቢባን ባቢሎን ትርጓሜ ናይቲ ሕልሚ ከፍልጡኒ ኣብ ቅድመይ ከምጽእዎም ኣዘዝኩ” በለ እምበር ‘ከፍልጡና፥ ኣብ ቅድሜና’ ኣይበለን። (ዳን. ፬፥፮/4፡6)
- ዘፍ. ፫፥፳፪/3፡22 እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ “እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ንጽቡቕን ክፉእን ዝፈልጥ ኮይኑ ኣሎ” በለ ከምኡ ውን (ዘፍ. ፲፩፥፯/11፡7) “ንዑ ንውረድ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ በለ” ይብል። እዚ ቃል እዚ ሓደ ኣካል ተዛሪቡ ክልተ ሰማዕቲ ከምዘለዉ የረድኣና። ነዚ ኣበሃህላ’ውን ፀረ ሥላሴ ዝኾኑ ወገናት ብጌጋ ክትርጒምዎ ይረኣዩ’ዮም። እዞም ወገናት ‘ዝዛረብ ዘሎ እግዚአብሔር ክኸውን ከሎ እቶም ሰማዕቲ ኸኣ መላእኽቲ’ዮም’ ይብሉ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግና ጌጋ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና’ዩ። ከመይሲ እግዚአብሔር ብባህርይኡ ድኻም የብሉን። ብመሠረቱ ኸኣ ሓገዝ ዝደሊ ፍጡር እምበር ፈጣሪ ኣይኮነን። ንከሃሊነቱ ደረት ዘይብሉ እግዚአብሔር ንቅዱሳን መላእኽቱ ‘ኪዱ ከምዚ ግበሩ’ ኢሉ ይእዝዝ እምበር ንዑናይ ከምዚ ንግበር ኣይብልን’ዩ። ከምኡ ውን ንእግዚአብሔር መማኽርቲ ከምዘይብሉ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና። (ኢሳ. ፵፥፲፪-፲፬/40፡12-14, ሮሜ ፲፩፥፴፫-፴፮/11፡33-34)
- ዘፍ. ፲፰፥፩-፲፭/18፡1-15 እግዚአብሔር ንኣብርሃም ብሠለስተ ኣካል ከምዝተገልጸሉ “ኣብርሃም ቀትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ ከሎ እግዚአብሔር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ፡ ኣዕይንቱ ቋሕ ኣበለ እንሆ ድማ ሠለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣዮም ድማ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ክቕበሎም ጐየየ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ በለ ድማ “ጐይታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተደኣ ረኺበስ በጃኻ ንባርያኻ ኣይትኅለፈኒ ኣእጋርኩም ክትሕጸቡ ኂደት ማይ ኮታ ከምጽኣልኩም፣ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትኃልፉስ ልብኹም ክትድግፉ ቍራስ እንጌራ ከምጽኣልኩም ድኅሪ እቲ ትኃልፉ በለ። ንሳቶም ከኣ ከምቲ ዝበልካዮ ከምኡ ግበር በልዎ።”
እግዚአብሔር ንኣብርሃም ክግለጸሉ ከሎ ከም ሠለስተ ሰብኣይ ከም ዝተራእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክዛረብ ከሎ ድማ እግዚአብሔር ብሓድነቱን ብሠለስትነቱን ከምዝተገልጸሉ ካብ ኣዛራርባኡ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ሓደ አንቀጽ ሠለስተ ሳዕ ምድጋሙ ሓድነቱን ሠለስትነቱን ብንጹር የረድኣና። ትሕት ኢሉ ክልተ ሳዕ ልዕል ኢሉ ውን ኣርባዕተ ሳዕ ዘይምዃኑ ውን ነስተብህል። (ራእ. ፬፥፰/4፡8)
ሓድነት እግዚአብሔር
እግዚአብሔር ብባህርይ፣ ብህልውና፣ ብኣገዛዝእ፣ ብሥልጣን፣ ብመለኮት ነዛ ዓለም ብምፍጣርን ብምኅላፍን ሓደ እዩ።
ብምፍጣር፦ “እግዚአብሔር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” በለ እምበር ‘ፈጢሮም’ ኣይበለን። ዘፍ. ፩፥፩/1፡1
ብሥልጣን ብፍቓድ፦ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” (ዮሓ. ፲፥፴/10፡30)
ብህልውና፦ “ኣነ ኣብ ኣቦ ከምዘለኹ ኣቦ ውን ኣባይ ከምዘሎ እመኑ” (ዮሓ. ፲፬፥፲/14፡10) “ቃል ብመጀመርታ ነበረ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ እቲ ቃል ውን ኣምላኽ ነበረ እዚ ኣብ ኣምላኽ ነበረ” (ዮሓ. ፩፥፩-፪ /1:1-2)
መለኮት፦ “ኦ እስራኤል ስማዕ እግዚአብሔር ኣምላኽና ሓደ እግዚአብሔር እዩ” (ዘዳ. ፮፥፬/6፡4, ኢሳ. ፵፩፥፮/41፡6, ማር. ፲፪፥፳፱/12፡29)
ሠለስትነት እግዚአብሔር
እግዚአብሔር ብስም፣ ብኣካል፣ ብግብሪ ሠለስተ እዩ።
- ናይ ስም ሠለስትነት፦ ናይ ስም ሠለስትነቱ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ይበሃል። (ማቴ. 28፡19) “አብ”፦ ናይ እግዚአብሔር አብ ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ናይ ህላዌ ስሙ’ዩ። ስለዚ በይኑ አብ እምበር ወልድ ወይ ውን መንፈስ ቅዱስ በዚ ስም’ዚ ኣይጽዉዑን’ዮም። “ወልድ” ከኣ ናይ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ናይ ህላዌ ስሙ’ዩ። በዚ ስም ወልድ እምበር አብ ወይ መንፈስ ቅዱስ ኣይጽዉዑን’ዮም። “መንፈስ ቅዱስ” ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ናይ ህላዌ ስሙ’ዩ። ስለዚ ውን በዚ ስም’ዚ በይኑ መንፈስ ቅዱስ እምበር ወልድ ወይ ውን አብ ኣይጽዉዑን’ዮም።
- ናይ ግብሪ ሠለስትነት፦ ናይ ግብሪ ሠለስትነቱ ከኣ አብ ወላዲ ወልድ ተወላዲ መንፈስ ቅዱስ ሠራፂ ማለት እዩ። ናይ አብ ግብሩ ንወልድ ይወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ የሥርጽ እምበር ኣይውለድን ኣይሠርፅን። ናይ ወልድ ግብሩ ከኣ ካብ አብ ይውለድ እምበር ኣይወልድን፣ ኣይሠርፅን፣ ኣየሥርፅን። ናይ መንፈስ ቅዱስ ግብሩ ከኣ ካብ አብ ይሠርፅ እምበር ኣይውለድን፣ ኣይወልድን ኣየሥርፅን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ ሠሪፁ ክበሃል ከሎ ንአብ ኣኺሉ መሲሉ ካብ አብ ብዘይ ምቅድዳም ተረኺቡ ማለት እዩ። “እቲ ኣነ ካብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጽአ ግና ንሱ ክምስክረለይ’ዩ” (ዮሓ. ፲፭፥፳፮/15፡26)
- ናይ ኣካል ሠለስትነት፦እዚ ማለት ንአብ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። ንወልድ ውን ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። ንመንፈስ ቅዱስ ውን ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። “ንአምን ከመ ቦሙ ለሥላሴ መልክዓት ጽዱቃት ዘውእቶን ኣዕይንት ወአእዛን አእዳው ወአእጋር ወኵሎንኬ እለ ተርፋ” ሠለስቱ ምእት “እስመ አዕይንቲሁ ለእግዚአብሔር ኀበ ጻድቃኑ ወእዝኑሂ ኀበ ሥዕለቶሙ / ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ናብ ጻድቃኑ፡ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም’የን” (መዝ. ፴፫፥፲፭/34፡15) ኣካል ማለት ካብ ፀጒሪ ርእሲ ክሳብ ጽፍሪ እግሪ ዘሎ እዩ። ገጽ ማለት ከኣ ዓይኒ፡ ኣፍንጫ . . . ዝኃዘ ክፋል ኣካል’ዩ። መልክዕ ማለት ድማ ንገጽ ሓዊሱ ናይ ሰውነትና ቅርጺ (ኵነት) ዘጠቓልል’ዩ። ናይ ሥላሴ ኣካሎም ግና ከም ሰብ ኣካል ውሱን፣ ግዙፍ፣ ጸቢብ ኣይኮነን። ናይ ሥላሴ ኣካሎም፦ ምሉእ፣ ሰፊሕ፣ ረቂቅ’ዩ። እዚ ናይ ኣካል ሠለስትነት ኣብ ሓዲስ ኪዳን ፍጹም ብሩህ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ድማ ሰማያዊ ምሥጢር ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተጋህደ እዩ። “ጐይታ ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ ብኡ ንብኡ ካብ ማይ ወጸ እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍቱ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ክዓልብ ተራእየ እንሆ ድማ ‘ብእኡ ዝሠመርኩ ፍትው ወደይ እዚ‘ዩ’ ዝብል ድምፂ ካብ ሰማይ መጸ” (ማቴ. ፫፥፲፮-፲፯/3፡16-17) እዚ ማለት ከኣ ወልድ ብዝተፈለየ ኣካሉ ተጠማቒ ኮይኑ ብኢድ ዮሓንስ ተጠምቀ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብፍሉይ ኣካሉ ብርግቢ ኣምሳል ተራእየ ከምኡ ውን አብ ብፍሉይ ኣካሉ ኣብ ውሽጢ ደመና ኮይኑ “እቲ ዘፍቅሮ ወደይ” ኢሉ ምስክርነት ብምሃብ ሠለስቲኦም ኣካላት ብሓንሳብ (ኣብ ሓደ እዋን) ተራእዮም። ካብዚ ብምብጋስ ውን “ሓደ ገጽ” በሃልቲ ሰባልዮሳውያን (መናፍቃን) ትምህርቶም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ከምዘይኮነ ንርዳእ።
ናይ ሠለስትነት ምሳሌ
ናይ ሥላሴ ሓድነትን ሠለስትነትን ብሓዊ፣ ብፀሐይ፣ ብማይ፣ ብባሕሪ፣ ብነፍሲ ሰብ ይምሰል። እዚ ማለት ግና ሰብ ብዝርድኦ መጠን ንምግላጽ ደኣ እምበር ካብ ዝኾነ ፍጥረት ንሥላሴ ዝኸውን ብቑዕ ምሳሌ ኣይርከብን። ኵሉ ምሳሌ ሕፁፅ ምዃኑ ክንርዳእ ይግብኣና። “ወአልቦ ዘይከውን ከማነ እስመ መልዕልተ ኵሉ ንሕነ. . . . . . . ወአልቦ ዘይትማሰለነ እስመ መልዕልተ አምሳል ንሕነ” ከምዝበለ ቀሌምንጦስ።
ሓዊ፦ ናይ ሓዊ ሠለስትነት ኣካሉ ዋዕዩ ብርሃኑ እዮም። እዚ ኸኣ ብኣካሉ አብ፡ ብብርሃኑ ወልድ፡ ብዋዕዩ ድማ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። “አቡየ እሳት ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ” (ቀሌም.) ከምኡ ውን “አብ እሳት ወልድ እሳት ወመንፈስ ቅዱስ እሳት ፩ዱ ውእቱ እሳተ ሕይወት ዘእምአርያም” (ቅዳሴ ማርያም) ሓዊ ሠለስተ ነገራት ይሃልዎ እምበር ሓደ ሓዊ እምበር ሠለስተ ሓዊ (እሳት) ከምዘይበሃል ከነስተውዕል ይግባኣና።
ፀሐይ፦ ናይ ፀሓይ ሠለስትነት ክበቡ፣ ብርሃኑ፣ ሙቀቱ (ዋዕዩ) እዮም። በዚ መሠረት ከኣ ብክበቡ አብ፡ ብብርሃኑ ወልድ፡ ብሙቐቱ (ዋዕዩ) መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። “አቡየ ፀሐይ ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ።” ከምኡ’ውን “ . . ወውስተ ፀሐይ ሤመ ጽላሎቶ” (መዝ. ፲፰፡፬) “አብ ፀሐይ፡ ወልድ ፀሐይ፡ መንፈስ ቅዱስ ፀሐይ ፩ዱ ውእቱ ፀሐየ ጽድቅ ዘላዕለ ኵሉ” (ቅዳሴ ማርያም)። ኣብዚ ውን ፀሐይ ብሠለስተ ነገራት እኳ ትግለጽ እንተኾነት፡ ሓደ ፀሐይ እምበር ሠለስተ ፀሐይ ኣይንብልን። በዚ ምሳሌ ውን ዋላ እኳ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ብሽም ብኣካል ብግብሪ ሠለስተ እንተኾኑ ሓደ ኣምላኽ እምበር ሠለስተ ኣማልኽቲ ከምዘይንብል ክንርዳእ ንኽእል።
ነፍሲ ሰብ፦ ሰብ ብነፍሱ ሠለስትነት ኣለዎ። እዚአን ሠለስተ ባህርያት ከኣ ልብነት (ለባዊ)፡ ቃልነት (ነባቢ)፡ እስትንፋስነት ወይ ሕያውነት እዮም። ከምኡ ውን አብ ብልቢ፡ ወልድ ብቃል፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብእስትንፋስ ይምሰሉ። ካብዚ እንርድኦ ሰብ ብነፍሱ ሠለስተ ባህርያት ይሃልዎ እምበር ሓደ ነፍስ እምበር ሠለስተ ነፍስ ኣለዎ ተባሂሉ ከምዘይንገር፡ ኣብ ቅድስት ሥላሴ ውን ብኣካል፣ ብግብሪ፣ ብስም ሠለስተ እንተኾኑ ውን ሓደ ኣምላኽ ኢልና ኢና እንኣምን። “ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልአ ምድረ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት ወእምእስትንፋስ አፉሁ ኵሉ ኃይሎሙ” (መዝ.፴፪፥፮)።
ደጊምና ክንርድኦ ዝግበኣና ኸኣ አብ ልብ፡ ወልድ ቃል፡ መንፈስ ቅዱስ እስትንፋስ እንተተባህሉ ውን ንአብ ዝተፈለየ ቃልን እስትንፋስን፡ ንወልድ ከኣ ዝተፈለየ ልብን እስትንፋስን፡ ንመንፈስ ቅዱስ ድማ ዝተፈለየ ልብን ቃልን ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ነንሓድሕዶም ህልዋን እዮም።
አብ ብልቦናነት፡ ኣብ ወልድን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ህልው’ዩ። ወልድ ብቃልነት፡ ኣብ አብን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ህልው እዩ። ከምኡ ውን መንፈስ ቅዱስ ብሕይወትነት (ብእስትንፋስነት) ኣብ አብን ኣብ ወልድን ህልው እዩ።
ስለዚ አብ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ልቦም እዩ፣ ወልድ ድማ ንአብን ንመንፈስ ቅዱስን ቃሎም’ዩ፣ ከምኡ ውን መንፈስ ቅዱስ ንአብን ንወልድን ሕይወቶም (እስትንፋሶም) እዩ። በዚ መሠረት ብአብ ለባውያን፡ ብወልድ ነባብያን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ሕያዋን እዮም።
“አብኒ ልቦናሆሙ ለወልድ ወለመንፈስ ቅዱስ ወልድኒ ቃሎም ለአብ ወለመንፈስ ቅዱስ፡ መንፈስ ቅዱስሂ ሕይወቶሙ ለአብ ወለወልድ” ከምዝብል። (አቡሊድስ ዘሮሜ) ከም ሓደ ልቢ ሓሳቢ፡ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ፡ ከም ሓደ እስትንፋስ ሕያዋን ኮይኖም ይሓስቡን ይናገሩን ይነብሩን ይፍጽሙን ደኣ እምበር ምፍልላይ የብሎምን።
ሠለስትነቱን ሓድነቱን ዘብርሁ ተወሰኽቲ ጥቕስታት
ሥሉስ ቃል ምስጋና፦ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ኵላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” (ኢሳ. ፮፥፫/6:3, ራእ. ፬፥፰/4፡8)
ብስም ሥሉስ ቅዱስ ዝወሃብ በረኸት፦ “እግዚአብሔር ይባርክኻን ይሓሉኻን፡ እግዚአብሔር ገጹ የብርሃልካ ጸጋ ኸኣ ይሃብካ፡ እግዚአብሔር ገጹ ይመልሰልካ ሰላም ድማ ይሃብካ” (ዘኁ. ፮፥፳፫-፳፬/6:23-24) “ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ኅብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን ኣሜን” (2ይ ቆሮ. ፲፫፥፲፫/13፡13) ኃይልን ምድኃንን እግዚአብሔር፦ “የማነይቲ ኢድ እግዚአብሔር ኃይሊ ትገብር የማነይቲ ኢድ እግዚአብሔር ኃይሊ ትገብር ኣላ” (መዝ. 118:16)
ብጥምቀት ካብ እግዚአብሔር ምውላድ፦ “ስለዚ ኪዱ ንኵሎም ኣሕዛብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ክሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” (ማቴ. ፳፰፥፲፱/28፡19)
መጠቓለሊ
- አብ ንወልድ ስለዝወለደን ንመንፈስ ቅዱስ ስለዘሥረፀን ኣይበልጾምን፡ ኣይቅድሞምን’ዩ። ኣብ ሥላሴ ምቅድዳም ኮነ ምብልላጽ ዝበሃል የልቦን።
2. ሥላሴ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሠለስተ ክኾኑ ከለዉ ብሥልጣን፡ ብመለኮት፡ ብህልውና፡ ብኣገዛዝኣ፡ ብፍቓድ ብባህርይ ግን ሓደ እዮም።
3. መንፈስ ቅዱስ ካብ አብ እምበር ካብ ወልድ ኣይሠርፅን እዩ።
4. አብ ኣምላኽ እዩ፡ ወልድ ኣምላኽ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እዩ። ግና ሓደ ኣምላኽ ደኣ እምበር ሠለስተ ኣማልኽት ኣይበሃሉን እዮም።
ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም።
ምስጋና ንአብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንዘለዓለም ዓለም፡ አሜን።